Monday, July 30, 2007

ሰናይት

Duration: 401 seconds
Upload Time: 07-06-19 08:07:27
User: asmarinodotcom
:::: Favorites
Description:

ሰናይት ጽብቕቲ፡ እንኮ ከብደይ ኣዕብየኪ ሽይጠ፡ ስልማት ክሳደይ ርእየ ኣይጸገብኩኽን፡ ዳህሲስ ብኢደይ ሰብኣየይ፡ ወሉደይ፡ ቤተሰብ ዘመደይ ንስኺ እኮ ኢኺ ሰኑ፡ መናብርተይ ሰኑ ጓለይ፡ ትዝክርዮዶ ሕጻን እንከሎኺ ንባባ ክንከዶ ብሎኮ ሓሊፍና፡ ኣብቲ እግሪ ጎቦ ዘይትፈልጥዮስ፡ ከም ውላድ ከም ኣቦ ክትስሕቁ ክትውዕሉ፡ ኣንቲ ወርቂ ዘቦ? ሰኑየ እታ ስእሊ፡ እታ ናይ ክልቴኹም ሕቑፍ ኣቢሉኪ፡ እናተሰዓዓምኩም ፍሽኽ ኢልኩም፡ ሓጎስ መሊኡኩም ኣብ ትርኣስ የሕድራ፡ ናፊቐኩም ድቃስ ክክኣብየኒ፡ የዕልል ምሳኹም ኣይነበር ሰኑ፡ ብዘይካኹም! ኣብቲ ልዕለይ ድማ ብክልተ ሽምዓ ተኸቢባ እታ ወረቐት፡ ስእሉ ዝለገባ ﷽ተሰዊኡ﻾፡ ዝብል ዝንበባ ከይጽምዋ፡ ምስኣ ዕምባባ ስዕም የብላ እሞ፡ ይዛረባ እንተተረድአት ፍቕሪ ልበይ ሰኑየ፡ ንዓኪ እንተመለሰትለይ! ግን ኣይሰምዐትን፡ ሕራይ ኣይበለትን ግን ንፍስኽታ ኣቦኺ ኣይከወለትን ኣብታ ዝሰቐልክያ፡ ከም ቀደማ ኣብኡ ኣላ ተጸናንዓኒ፡ ይሓቑፋ፡ የዕልላ ሰኑ ጓለይ፡ ንሳስ ድሓን ኣላ ሰናይተይ፡ ናትኪ ግን ከቢዱ ወዲ ኣዳም፡ እንድሕሪ ወሊዱ ፈትዩ መዓስ ኮይኑ፡ ተገዲዱ ንቕጽ እንተዘይበለ፡ ሃንደበት ሰምቢዱ ቁሪ ይኣትዎ፡ ይፈርሕ እቲ ከብዱ ቆዚሙ፡ ነቢዑ፡ ንበይኑ ግዒሩ ክሳብ'ታ ዝመውትê፡ ብጓሂ ሓሪሩ ይዓዝዝ እምበሪ፡ ኣይጎድልን ፍቕሩ ከመይ ኢሉ ክርሳዕ፡ ናይ ውሉዱ ዝኽሩ? ምስቲ ጎበዝ፡ ልበይ ዝሰረቐ ንክልተ ዓመት ምሳይ ዝሰሓቐ ንጉሆ ዝኸደ፡ ጸሓይ ከይበረቐ ሰኑ ጓለይ ተራኺብኩምዶኸ? ጠፊእኪ'ምበር ሰኑ፡ ኣየረጋገጽኩን ወሊደከï ኮይነስ ኣይቀበጽኩን ሓዘን ኣይገበርኩን፡ ኣየልቀስኩን ንያተይ ግን ሞይቱ፡ ሃዲሙኒ ቀልበይ ተናዊጸ፡ ጠሊሙኒ ዓይነይ ምጻር ስኢኑኒ፡ ረድረድ ኢሉ ኣብራኸይ ጽባሕ ድኣ ሰኑ፡ ኣንታይ ክዓብሰለይ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ምስ ተቐብረ ውነይ ትርጉም ከምዘለዎ ንዓይ ንወላዲት፡ ስእልኺ ጠቂዖም፡ ኣብ ወረቐት "ኣብዚ ከምዚ ጌራ፡ ኣብቲ ተዋግአት ኣብዘï ተሓሪዳ፡ ኣብዚ ተሰውአት ስለዚ ኣይትብከዪ፡ ጅግና ኢያ ሰናይት" ክብሉ ኣኮ ኢዩም ሰኑ፡ ሎሚ ድኣ ምጺ ከይሞትኩ ከለኹ፡ ንሓንሳብ ኣድምጺ እምበር ጽባሕ ድኣ፡ ሞትኪ ምስ ተኣውየ ኣዕጽምቲ ስጋኺ፡ ቀቢጸዮ ኣኮ ኢየ ፍልሖ በሊዖሞ፡ ቀደም ዝበለየ ዓሚ ዝሞትክዮ፡ ንዓመታ በኽየ ክበጽሑ ዝመጹ ቀባሮ ኣፋንየ ንመን ክጽበ ኢለ፡ ክመጸኩም እንድየ ናይ ጽባሕስ ሰኑ፡ ጸገም የብለይን እቲ ዝዓቖርክዎ፡ ንመርዓ ንኪዳን ብኡ ጊረ ኣሕሊፈ፡ ነቲ ናትኪ ሓዘን ክመጽእ ኢየ ሰኑ፡ ምሳኹም ክኸውን ጎሮቤት ቤተሰብ፡ ዘተሓዝኑኒ ገዝኦም ምስ ከዱ፡ በይነይ ገዲፎምኒ ብዘይካ ክልቴኹም፡ ንዓይ መንዶ ኣለኒ ስእልኹም ጠርኒፈ፡ ናትኪ ምስ ሃቡኒ ክመጽእ እኮ ኢየ፡ እንታይ ከይተርፈኒ ካብዚ ዘለኹዎስ፡ ምሳኹም ይሕሸኒ ታሕሳስ 12፡ 2002 ንጉሰ

Share with friends 
Comments
ABRARON ::: Favorites
nice one
07-06-19 12:15:28
_____________________________________________________

No comments: